ንሕና፣ ከም ምክሪ ማእከል ፋኢር ኢንተግረሽን ቱሬንገን( fair-integration thuringia ) ንዜጋታት ሳልሳይ ሃገር ንናይ ስራሕን ማሕበራዊ ሕግታትን ዝምልከት ሕቶታት ካብ ክፍሊት ናጻ ብዝኮነን ስቱርነቱ ወይ ድማ ምስጢራዊነቱ ዝሓለወን ምኽርን ሓገዝን ነቕርብ።
እዚ ክበሃል ከሎ ግን ንሕና ጠበቓታት ኣይኮናን። ኩሉ እቲ እስኹም ትህቡና ሓበረታታት ብሚስጥር ዝዕቀብ ኮይኑ፡ ብናትኩም ስምምዕ ጥራሕ ኢና ንሳልሳይ ኣካል ወይ ናብ ካልእ ትካል ነመሕላልፍ። ንጉዳይኩም ዝምልከት ዝርዝር ሰነድ ኣብ ናትና ኣይቲ-ሲስተም(IT-system) እዩ ዝዕቀብ። ኣብ ውሽጥ ሕግዊ ግዴታትና ንስታቲኣቲካዊ ዕላማታት ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ብሽም ስቱር ማለትም ሽም ዝይጠቕስ ዳታ(data) መገዲ ጥራሕ እና ነመሓላልፎ ።
ነዚ ሓበሬታ ዝምልከት ብደቂቕን ብዝሰፍሐ መልክዑ ኣብ ናትና ዳታ ፕሮቴክሽን እንፎርመሽንና ሓበረታ ክትረኽብ ትኽእሉ ኢኹም። ሰነዳትኩም ክንድምስሶ ምስ ትደሊዩ ድማ፣ ናብ datenschutz@dgb-bwt.de ኢሜይል ትስዱልና። ምኽርታትና ኣብ ትሕቲ ቻርተር መሰረታዊ መሰላት ሕብረት ኤውሮጳ( Charter of fundamental rights of Eropean Union ) ክትትል እዩ ዝካይድ።