ማሕበር ሰራሕተኛ እንታይ ኢዩ?
ማሕበር ሰራሕተኛታት ሓደ ምትእኽኻብ ናይ ብሓባር ኮይኖም ንእቶም ናይ ስርሖምን መነባብርኦምን ኩነታት ንከመሓይሹ ዝጽዕሩ ኢዮም። እዚኣቶም ንዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ ክፍልታት ኣለዉ (ሓደ ዝርዘር ኣብ እቶም ዝቕጽሉ ገጻት ክትረኽቡ ኢኹም) ። ሓደ ማሕበር ሰራሕተኛ ዝያዳ ኣባላት ምስ ዝህልዉዎ፣ ንሳቶም ንእቲ ጥቕሞም ብዝሓሸ ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ይኽእሉ። ማሕበር ሰራሕተኛታት ምስ ኣባላቶም ሓቢሮም ንዝሓሸ ደሞዝ፣ ንምኽባር ናይ ሰራሕተኛታት መሰላትን ንምምሕያሽ ናይ ስራሕ ኩነታትን ይቃለሱ። ሓደ ተኽእሎ ነዚ ንምርካብ ዘገልግሉ ናይ ደሞዝ ኮንትራታት ኢዮም፣ እንተደኣ ሓደ ማሕበር ሰራሕተኛ ብዙሓት ኣባላት ኣለዉዎ፣ ንሱ ብቑዕ ሓይሊ ኣለዎ፣ ምስ ወሃብቲ ስራሕ ንኣብነት ዝያዳ ደሞዝ ንእቲ ንስኹም ዘለኹምዎ ክፍሊ ስራሕ ንምርካብ ንክሰማምዑ።
ማሕበር ሰራሕተኛታት ካብ ሰልፍታትን መንግስትን ነጻ ኢዩ፣ እንተኾነ ግን ንሳቶም ፖለቲካዊ ጥቕምታት ይውክሉ። ኣባል ንምዃን ብነጻ ድልየት ዝፍጸም ኢዩ። ኣብ ሃገር ጀርመን ኣባልነት ኣብ ሓደ ማሕበር ሰራሕተኛ ብቅዋም ሃገር ዝተሓለወ ኢዩ። ስለዚ ንስኹም ኣብ ስራሕ ኮነ ኣብ ነጻ ጊዜኹም ብምኽንያት ኣባልነትኩም ጸገም ክበጽሓኩም ኣይፍቀድን ኢዩ። እቲ ናትኩም ኣባልነት ንእቲ ወሃብ ስራሕኩም ብፍጹም ኣየእትዎን ኢዩ።
ኣብ ሃገር ጀርመን እቶም ዓበይቲ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣብ ሕብረት ማሕበር ሰራሕተኛታት (DGB) ዝተጠቕለሉ ኢዮም።እቶም ናታቶም ናይ መንእሰያት ማሕበራት ንእቲ ደገበ-ዩገንድ – ማሕበር መንእሰያት የቕውም።
ማሕበር ሰራሕተኛታት እም ዝስዕቡ ዕላማታት ኣለዎም
ጽቡቕ ስራሕ ንኹሎም ሰራሕተኛታት
ጽቡቓት ኩነታት ስራሕ ንሓደ ጽቡቕ ሂወት ኣዚዮም ኣድለይቲ ኢዮም። ማሕበር ሰራሕተኛታት ንኩነታት ስራሕ ንምምሕያሽ፣ ንቁጠባዊ ርግጸኛነትን ንውልቃዊ ተኽእሎታት ምምዕባልን ንኩሎም ሰራሕተኛታት ንክህልውን ይቃለሱ።
መሰል ሓቢርካ ምውሳን
ማሕበር ሰራሕተኛታት ንናይ ትካል ስራሕን ቤት ጽሕፈታትን ማሕበራት ይድግፉ። ማሕበር ትካል-ስራሕ / ቤት ጽሕፈት ወካሊ ናይ እቶም ኣብቲ ትካል ስራሕ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ወካሊ ኢዩን ብኩሎም ሰራሕተኛታት ኣቢሉ ከኣ ይምረጽ – እንታይ ዓይነት ናይ መንበሪ ፍቓድ ከምዘለካ ብዘይግድስ። ማሕበራት ትካል-ስራሕ ሕጊ ብግቡእ ይካየድ ምህላዉ ይቆጻጸሩ፣ ንእቶም ጥቕምታት ናይ እቶም መሳርሕቶም ኣብ ቅድሚ ወሃብቲ ስራሕ ይቃለሱን ኣብ ብዙሓት ኩነታት ከኣ ናይ ሓቢርካ ምውሳን መሰል ኣለዎም፣ ካብ መደብ እብረ ስራሕ ጀሚርካ ክሳብ ምስራዝ ኮንትራት ስራሕን ሕቶ መሰል ማዕርነትን።
ደገፍ ምሕዝነት ንኩልና
ማሕበር ሰራሕተኛታት ንመሰል ማዕርነት ናይ ኩሎም ሰራሕተኛታት ይቃለሱ፣ ምኽንያቱ ከኣ፣ዘይማዕርነታዊ ኣተሓሕዛ ንእቶም ሰራሕተኛታት ክመቓቕሎም ስለዝኽእል። ደቂኣንስትዮን ወጻእተኛታትን መብዛሕትኡ ጊዜ ዝወሓደ ደሞዝ ኢዮም ዝረኽቡን ብሕማቕ ኩነታት ስራሕን ሕማቕ ኣድልዎታትን ይሳየቑ። ስለዚ ማሕበር ሰራሕተናታት ብዘየካ ካልእ ፣ ማዕረ ዝኾነ ደሞዝ ንኹሉ ሓደ ዓይነት ዝኾነ ስራሕ ይጠልብ።
ሓደ ፍትሓዊ ዝኾነ ማሕበረ-ሰብ ምህናጽ
ማሕበር ሰራሕተኛታት ንቅኑዓት ኩነታት ስራሕ ጥራሕ ኣይኮኑን ዝቃለሱ፣ እንታይ ደኣ ከምኡ እውን ንሓደ ነጻን ፍትሓውን ዝኾነ ሂወትን። ካብ ብዙሓት ዓመታት ኣትሒዞም ማሕበር ሰራሕተኛታት ንኣብነት፣ ደሞክራሲያዊ ምስታፍ ኣብ ቦታ ስራሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ልክዕ ከምኡ ኣብ ፖለቲካ እውን ንኩሉ ሰብ ዝከኣል ክኸውን ከምዘለዎ ይጠልቡ። ስለዚ ከኣ ንሳቶም ንናይ ምርጫ መሰል ንኩሎም ቀንዲ ናይ መንበሪኦም ቦታ ኣብ ሃገር ጀርመን ዝኾነ ሰባት ይጠልቡ – ዜግነቶም ብዘየገድስ።
ከም ኣባል ናይ ማሕበር ሰራሕተኛ ንስኻ ኣካል ናይ ሓደ ኣብ ምሉእ ሃገር ዳርጋ 6 ሚልዮን ኣባላት ዘለዉዎ ሓያል ማሕበረ ሰብ ኢኻ፣ ንሳቶም ከኣ ኣብ ጎንኻ ደው ይብሉ! ካብ ማሕበር ሰራሕተኛታት እዚ ዝስዕብ ክትረክብ ትኽእል …
- ሓደ ሓያል ድምጺ ንመምጽኢ ናትካ ጥቕምታት
- ናይ ሕጊ ምኽሪ ∙ መከላኸሊ መሰል ንናይ ስራሕን ማሕበራውን መሰል
- ምጽራይ ናይ ስራሕ ኮንትራታትን – ምስክር ወረቐት ስራሕን
- ገንዘብ ኣድማ-ስራሕ ኣብ እዋን ቃልስታት ስራሕ
- ብዙሓት ኣማራጺታት ናይ ትምህርቲ ቀረባት
- እዝን ካልእ ብዙሕን…
ብገምጋም እቲ ኣባልነት ናይ ማሕበር ሰራሕተኛታት 1% ናይ እቲ ሓርፋፍ -ወርሓዊ ደሞዝካ ንወርሒ ኢዩ። ኣብ ሓደ ሓርፋ-ወርሓዊ ደሞዝ ናይ 1.850,00 € ንስኻ ንኣብነት ሓደ ወርሓዊ ውጽኢት ናይ 18,50 € ትኸፍል. ኣብ ትምህርቲ ዘለዉን፣ ጥሮተኛታትን እቶት ንዘየብሎም ሰባትን ካብዚ ዝትሕት ወርሓዊ ውጽኢት ይኸፍሉ።
ማሕበር ሰራሕተኛታት ክሳብ ሎሚ እንታይ ኣሳሊጦም ኣለዉ?
ኣብ ታሪኾም ማሕበር ሰራሕተኛታት ብዙሓት ነገራት ኣሳሊጦም ኢዮም፣ ካብ እዚኣቶም ከኣ ኩላትና ንጥቀም ኣለና፣ ንኣብነት ምቕጻል ምኽፋል ደሞዝ ኣብ እዋን ሕማም፣ መሰል ዝወለዳ ኣዴታትን ስርዓታት ንእዋን ምሕጻር ሰዓታት ስራሕ።
ኣብ እዚ ቀረባ እዋን ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ዓወታት ናይ ማሕበር ሰራሕተኛታት ዝነበረ፣ ኣብ ምሉእ ሃገር ንኩሎም ኮንትራት ደሞዝ ዘየብሎም ትካላት ስራሕ ዝምልከት ምትእትታው መበገሲ-ደሞዝ ኢዩ ኔሩ። እዚ ብብጊዜኡ ምስ ኩነታት ናብራ ከምዝመዓራረ ይግበር – ኣብ እዋን ወሰኽ ደሞዝ ማሕበር ሰራሕተኛታት ሓቢሮም ንምውሳን መሰል ኣለዎም።
ኣብ ቀውዒ 2019 ማሕበር ሰራሕተኛታት ህንጻ – (IG BAU) ንምሉእ ሃገር ጀርመን ዝምልከት ንሰራሕተኛታት ምጽራይ ህንጻ ወሰኽ ናይ መዓልትታት ዓመታዊ ዕረፍቲ ከምዝግበር ተቓሊሱ። እቶም መሳርሕትና ሕጂ 30 ክፉላት መዓልትታት ዓመታዊ ዕረፍቲ ኣለዎም።
ንሰራሕተኛታን ናይ ሲስተም ምድላው መግቢ፣ ኤንገገ (NGG) 2020 ሓደ ናይ ደሞዝ ኮንትራት ስምምዕ ኣምጺኡ፣ እዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ 4 ዓመታት ዳርጋ ናይ 28% ወሰኽ ደሞዝ ክህሉ ዘኽእል ኢዩ።
ኣብ ወርሒ ሰነ 2022 ብደገፍ ናይ ቨር.ዲ (ver.di) እቲ ናይ መጀመርያ ማሕበር ትካል-ስራሕ ኣብ ሓደ ናይ ኣማዞን ናይ መከፋፈሊ ማእከል ኣብ ኤውሮጳ ተመስሪቱ።
ኣየናይ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኢዩ ነዓይ ዝሰማምዓኒ?
እቶም ኣብ ትሕቲ ሕብረት ማሕበር ሰራሕተኛታት ጀርመን (DGB) ዝርከቡ ማሕበራት ሰራሕተኛታት ንዝተፈላለዩ ዓይነት ስራሕ ዝምልከቱ ኢዮም። ንስኻ ኣበየናይ ጨንፈር ስራሕ ትሰርሕ ከምምህላውካ፣ ሓደ ካብ እዞም ስዒቦም ዘለዉ ማሕበራት ሰራሕተኛታት ንዓኻ ዝምልከተካ ኢዩ፣
NGG
ኣብ ማሕበር ሰራሕተኛታት መግቢ – መስተ – ቤት መግብታትን (ኤንገገ – NGG) ንኣብነት ንዓኹም ዝምልከት ኢዩ፣ እንተደኣ ንስኹም ንኣብነት ኣብ ቤት መግቢ፣ ኣብ ትካል ሆቴል ወይ ኣብ ትካል ምፍራይ መግብታት ትሰርሕ ኮይንካ።
ver.di
ቨር.ዲ (ver.di)“ሕቡር ማሕበር ሰራሕተኛታት ወሃብቲ ኣገልግሎት“. ምስ እዚ ብተወሳኺ ብዙሓት ካልኦት ክፍልታት ስራሕ ኣለዉ፣ ንግዲ፣ ፖስታን ቀረብን፣ ጥዕና፣ ወይ ከኣ ናይ ሓለዋን ድሕንነትን ትካላት።
IG BAU
እቲ „ማሕበር ሰራሕተኛታት ኢንዱስትሪ ህንጻ-ሕርሻ – ከባቢ (IG BAU) “ ብዘየካ ንካልእ፣ ንሰራሕተኛታት ኣብ ትካል ህንጻ፣ ትካል ምጽራይ ህንጻታትን ሕርሻን ደገፋቱ ይህቦም።
IGM
ንስኻ ኣብ ኢንዱስትሪ መካይን፣ ኣብ ኢንጂነሪን መካይን፣ ኣብ ክፍልታት ኤልክትሪክ፣ ሓጺን ወይ ዕንጨይቲ ወይ ኢንዱስትሪ ጨርቃ ጨርቂ ዲኻ ትሰርሕ? ከምዚ እንተኾይኑ እቲ „ማሕበር ሰራሕተኛታት ሓጺን“ (IGM) እቲ ናትካ ማሕበር ሰራሕተኛ ኢዩ።
GEW
እቲ „ማሕበር ሰራሕተኛታት ትምህርትን ስነ-ፍልጠትን“ (GEW) ን ኣብ ትካላት ትምህርቲ ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት ይቃለሰሎም፣- ምስ እዚ ዝቑጸሩ መዋዕለ ሕጻናት፣ ቤት ትምህርትታትን ዩኒቨርሲታትን እውን ኢዮም።
EVG
ሓደ ኣብ ትካል መንገዲ ባቡር ዝሰርሕ ሰብ፣ ከም መራሒ ባቡር ይኹን ከም ኣገልጋሊ ወይ መካኒክ፣ እቲ „ማሕበረ ሰራሕተኛታት ምድሪ ባቡርን ትራፊክን“ (EVG) እቲ ንዕኡ ብልክዕ ዝምልከቶ ኢዩ።
GdP
እቲ „ናይ ፖሊስ ማሕበር ሰራሕተኛታት“ ንጉዳያት ሰራሕተኛታት ናይ ዞባን ናይ ፈደራልስ ፖሊስን ከምኡ ከኣ ንሰራሕተኛታት ጉምሩክ ማለት ብዘየካ ንፖሊስ ንኣብነት ንናይ ምምሕዳር ወይ ናይ ኢንተርነት ሰራሕተኛታትን ይከታተል።