ግዝያዊ ስራሕ ሓደ ፍሉይ ዓይነት ምቑጻር ስራሕ እዩ።
ንግዝያዊ ስራሕ ፍሉይ ዝገብሮ ምስ ግዝያዊ ስራሕ ዝህብ ትካል ውዕል ትፍርሙ፡ ግን ከኣ ኣብ ካልእ ትካል (ኩባንያ ተመዲብኩም) (ብመልክዕ „ልቓሕ“) ትሰርሑ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ተመዲብኩም ክትሰርሑ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብቲ ዝተመደብኩምሉ ትካል ግና ንዝተወሰነ ግዜ ጥራይ ኢኹም ክትሰርሑ ትኽእሉ („ገደብ ግዜ ዘለዎ ስራሕ“)።
እቲ ትካል ግዝያዊ ስራሕ ናይ ኣስራሒኹም ግዴታታት ኣለዎ፦
ደሞዝ/ደሞዝ፦ ካብቲ ትካል ግዝያዊ ስራሕ ትረኽብዎ።
ዓመታዊ ዕረፍቲ፦ ንምውሳድ ናብቲ ትካል ግዝያዊ ስራሕ ተመልክቱ።
ሕማም፦ ነቲ ትካል ግዝያዊ ስራሕ ከምኡ’ውን ነቲ ተመዲብኩም ትሰርሕሉ ኩባንያ ክትሕብሩ ኣለኩም።
ናይ ስራሕ ሓደጋ፦ ነቲ ትካል ግዝያዊ ስራሕ ክትሕብሩ ኣለኩም።ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ክትሰርሑ እንተዘይክኢልኩም ነቲ ተመዲብኩም ትሰርሕሉ ኩባንያ እውን ክትሕብሩ ኣለኩም።
ኣስተውዕሉ፦
እቲ ተመዲብኩም ትሰርሓሉ ትካል ነቲ ዝተዋህበኩም ስራሕ ብኸመይ ኣገባብ ኣብ ቦታ ስራሕ ከም እተካይድዎ መምርሒታት ይህበኩምን መዓልታዊ ናይ ስራሕ ሰዓታትኩም ይውስንን።ከም ግዝያውያን ሰራሕተኛታት መጠን፡ ንልዕሊ 18 ኣዋርሕ (ብዘይ ምቁራጽ) ኣብ ሓደ ትካል ክትቁጸሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እዚ ዝከኣል ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ንዝነውሐ ግዜ ክትሰርሑ ከም ትኽእሉ ብጽሑፍ እንተሰፊሩ ጥራይ እዩ።
ክፍሊት ኣብ ግዝያዊ ስራሕ
ናይ ዝተወሰነ ጽላት (ዓውዲ) ቁጠባ ዝተሓተ ደሞዝ
ኣብ ዓውዲ ግዝያዊ ስራሕ ዝወሃብ ዝተሓተ ደሞዝ 14.00 ኤውሮ ኣብ ሰዓት እዩ። ካልእ ዝተፈለየ ዝተሓተ ደሞዝ ኣብ ዘለዎ ዓውዲ ቁጠባ ትሰርሑ እንተ ዄንኩም፡ እቲ ደሞዝ ክኽፈለኩም ኣለዎ።ዶንግዩ ተባሂሉ ድሕሪ 9 ኣዋርሕ፡ ከምቶም ኣብቲ ትሰርሕሉ ትካልኩም ዘለዉ ሓደ ዓይነት ስራሕ ዝሰርሑ መሳርሕትኹም ተመሳሳሊ ደሞዝ ክትወሃቡ ኣለኩም ( መትከል መዓርነት ደሞዝ – መዓርነት ደሞዝ ማለት ኩሉ ሰብ ብማዕረ ይኽፈል ማለት እዩ)። ሓባራዊ ስምምዕ ዘሰፈሮ ካልእ ሕጊ እንተዘይሃልዩ።
ናይ ስራሕ ግዜ ሕሳብ
ኣብዚ ተወሳኺ ኣወንታዊ ሰዓታት ከምኡ’ውን ዝጎደለ ኣሉታዊ ሰዓታት ትእክቡ። እቲ ተወሳኺ ኣወንታዊ ሰዓታት (ዝያዳ ዝሰራሕኩምሉ ሰዓታት) ክትክፈልሉ ትኽእሉ ኢኹም ወይ ከም መከሓሓሲ ግዜ (ናጻ ግዜ) ክትጥቀምሉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣሉታዊ ሰዓታት ብመንገዲ ተወሳኺ ናይ ስራሕ ሰዓታት ክትክሕስዎ ትኽእሉ ኢኹም። ናይ ስራሕ ሰዓታትኩም ኣብቲ ናይ ቅብሊት ደሞዝኩም እውን ይጥቀስ እዩ፡ ኩሉ ግዜ ክትፍትሽዎ (ክትምርምርዎ) ይግባእ።
ካብ ምዱብ ስራሕ ናጻ ግዜ
ካብ ምዱብ ስራሕ ናጻ ግዜ ግድን ክኽፈል ኣለዎ። ኣብቲ ትሰርሕሉ ትካል ስራሕ እንተዘይሃልዩ ስሩዕ ደሞዝኩም ክትክፈሉ ኣለኩም።ካብ ምዱብ ስራሕ ናጻ ግዜ ኣብ ትኾንሉ እዋን፣ ዓመታዊ ዕረፍትኹም ክትወስዱ ወይ ካብ ዝኣከብክምዎ ተወሳኺ ኣወንታዊ ሰዓታት ስራሕ ክጎድል ክትሕተቱ ኣይግባእን እዩ።ኣስራሒኹም ሓድሽ ትሰርሕሉ ትካል ክረኽበልኩም ስለ ዝኽእል ግና ኩሉ ግዜ ንስራሕ ኣብ ተጠንቀቕ ድልዋት ክትኮኑ ይግባእ።
ምስጓግ (ምስንባት) ካብ ግዝያዊ ስራሕ
ናይ ምስጓግ ካብ ስራሕ ገደብ ግዜ ምፍላጥ ኣብ ግዚያዊ ስራሕ እውን ኣሎ፦እዚ ናይ ምስጓግ ካብ ስራሕ ገደብ ግዜ ኣብ ውዕል ስራሕኩም ወይ ኣብ ዝምልከቶ ሓባራዊ ስምምዕ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብቲ መጀመርያ ናይ ስራሕ ፈተነ ግዜ (መብዛሕትኡ እዋን 6 ኣዋርሕ ዝንውሓቱ) እቲ ናይ ምስጓግ ገደብ ግዜ ኣዝዩሓጺር እዩ።
ኣብ ግዝያዊ ስራሕ ዘለው ሓባራዊ ስምምዓት
ኣብ ግዝያዊ ስራሕ ክልተ ዝተፈላለዩ ሓባራዊ ስምምዓት ኣለዉ፡ BAP/DGB ከምኡ’ውን iGZ/DGB።መብዛሕትአን ግዝያዊ ስራሕ ዝህባ ትካላት ሓደ ካብዞም ሓባራዊ
ስምምዓት ይተግብራ (ይጥቀማ)።